Duration 6:00

Ela tv - Mulgeta Melake - Tesfa - New Eritrean Music 2021 - ( Official Music Video )

156 996 watched
0
17.6 K
Published 16 May 2021

Gofundme link 👉👉 https://gofund.me/7d6e0232 እዛ ቪድዮ ናብ ኩሉ ንክትባጻሕ ሓደራኹም ነፍስወከፍና ሼር ንበላ ኣሕዋት .. ነዚ መምህር ተስፋ ዝኾነ ስነ–ጥበባዊ ሙልጌታ መልኣከ በዛ ላዕሊ ዘላ ጎፋንድ ሚ ሊንክ ( Gofundme)ወይ ድማ ብ ቁጽሪ ቴለ +2917710110 ደዊልና በብዘለና ዓቅሚ ዝከኣለና ፈይናንሳዊ ደገፍን ገንዘባዊ ኣበርክቶን ከምኡ ውን ሞራላዊ ምትብባዕን ብምግባር ኣጆኻ ንበሎ: ኣብ ጎኑ ከምዘለና ብግብሪ ነርእዮ። ስነ-ጥበበኛ ሙልጌታ መልኣከ፣ እቲ ስንክልና ዘይሰዓሮ ዘይጸዓት መንእሰይ ሙሉእ ኣታዊታት ናይዚ ቪድዮ ን ድምጻዊ ሙልጌታ መል ኣከ New Eritrean Music 2021 | Eritrean Music 2021 | Tigrinia Music Subscribe today: https://goo.gl/7936J7 ሰብን ተስፋን፣ ብሞት ጥራይ'ዮም ዝፈላለዩ ክበሃል ሰሚዕና ንኸውን። እዚ ተራ ነገር ዘይኮነ፣ ንዝርዳኦ ዓሙቚ ዘረባ`ዩ። ምኽንያቱ ተስፍ እንተዘየሎ ኩሉ የሎን ማለት`ዩ። ኣብ ዓለም ብዙሕ ዘደንጹ፣ ዘሕዝን፣ ዘስደምምን ካልእ ነገራትን ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። እንተኾነ ግን ከምዚ መንእሰይ እዚ ሓቦኛን መርኣያን ዝረኣኹም ዉሑዳት ጥራይ ኢኹም። እዚ ዓይነ ስዉርን መሓውርን ብሓደጋ ዝሰኣነ መንእሰይ ኣብ ምዕቡል ዓለም ነይሩ እንተዝከውን ብቕዓቱን ጻዕሩን ርኢኻ ልክዕ ከም Nicholas James Vujicic ኣዝዩ ግኑን ስም ምሃለዎ ነይሩ። ስነ-ጥበበኛ ሙልጌታ መልኣከ ክልተ ኣእጋሩን ሓንቲ ኢዱን ኣዒንቱን የለዋን። ንሱ ግን ንነብሱ ከም ስንኩል ኣይሓስባን`ዩ። ስንክልና ከኣ ናይ ኣእምሮ እምበር ናይ ኣካል ኣይኮነን። ኣእምሮ ምሉእ እንተ-ኾይኑ ኩሉ ይከኣል`ዩ። ንሱ ክገብር`የ ጥራይ እምበር ከም መብዛሕትኡ ሰብ ከምዚ እንተኾነ`ዶ ክብል ኣይውዕልን። በዚ ንርእዮ ዘሎና ኣተሓሳስባ ድማ ኣብዚ ደረጃ በጺሑ። መተዓብይቱ ኩሉ ግዜ ብኡኡ ምስ ተደነቑ`ዮም። እዚ ስነ-ጥበበኛ ኣብ መደብ ሽንግርዋ ከም ዕዱም ኮይኑ ሓንቲ ደርፊ ምስ ኣቕረበ`ዩ ህዝቢ ክፈልጦ ክኢሉ፣ ብቕዓቱን ሞራሉን ከኣ ንመን እሞ ዘይተንከየ። መብዛሕትኡ ሰብ ኩሉ እንከለዎ ከማርር ይስማዕ። ብላይ ኣብ ስደት ዘሎና ብዙሕ ክገብር እናኸኣልና ወልሓንቲ ከይገበርና ጸሓይ ትዓርበና፣ ግዜና ብዘይ ፍረ ይሓልፋ ኣሎ። ክገብር`የ ምስ እንብል ግን ኩሉ ይኸውን፣ ከመይ ዘይከውን። ሙልጌታ መልኣከ ህያው ኣብነት`ዩ። ስነ-ጥበብኛ ሙልጌታ ሓደ ካብ ዝኾነ ሰብ ንላዕሊ ጸለውቲ ሰብ`ዩ። ብሞራሉ፣ ጻዕሩ፣ ምሉእነቱን፣ ሓደ ካብ ንሕብረተሰብ ኣርኣያ ዝኾኑ ሰባት`ዩ። ርኢኻዮ ትድንግጸሉ ዘይኮንካ ትመሃረሉ ዓይነት ሰብ`ዩ። ሙልጌታ ወትሩ ፍሽኽታ ዝኣመሉ ሕጉስ ሰብ`ዩ። ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ ብሓደጋ ብከቢድ ሰንኪሉ። ኣደኡ ድሕሪ ስንክልናኡ ኣብ ሕክምና መጀመርያ ምስ ረኣየቶ ‘’ወደይ ሓንካስ ኣንበሳ ክኾነለይ`ዩ” ከምዝበለት`ያ ኣብ ሓደ ቃለ-መሕትት ዝገለጸት። ኣይተጋገየትን ድማ ብርግጽ መልኣከ ጎበዝ ኣንበሳ`ዩ። ኤርትራውያን ናይ ምትሕግጋዝ ሃብታም ባህሊ ኣለና`ሞ ነዚ መንእሰይ ኢደይ ኢድካ ኢልና ንሓግዞ። ንሱ ንሂወት ከምዝወረደቶ ተቐቢልዋ ጥራይ ዘይኮነ ስንክልናኡ መኪቱ ናብ ረብሕኡ ቀይርዎ። ነዚ ኣብነታዊ መንእሰይ ኩላትና ኤርትራውያን ብፍላይ ኣብ ስደት ዘሎና ዝከኣለና ሞራላዊን ገንዘባዊን ንዋታዊን ሓገዝ ክንገብረሉ ይግበኣና። ን ሙልጌታ በዛ ቁጽሪ ብቐጥታ ክትረኽብዎ ትኽቕሉ ኢኹም፣- +291 7710110 ከምኡ ውን ኣብዚ ሊንክ *https://bit.ly/2SKaPLJ� ��​ ብምእታው ከተወፍኡ ትኽእሉ ኢኹም። ምስ ልዑል ምስጋና እዛ ቪድዮ ናብ ኩሉ ንክትባጻሕ ሓደራኹም ነፍስወከፍና ሼር ንበላ ኣሕዋት .. ℗ © ሰላም ነዚ ቪድዮ ካብዚ ዳዉሎድ ምግባር ን ኣርቲስ ብዙሕ ጉዳት ሲለ ዘለዎ ብክብረትኩም ካብዚ ቻነል ነዚ ቪዲዮ ዳዉሎድ ምግባር ምዝርጋሕን ኩልኩል እዩ። ℗ © Copyright: Ella Records. Any unauthorized use, copying or distribution is strictly prohibited. New Ethiopian Music 2021 | Ethiopian Music 2021 Tigrinia Music 2021 | New Tigrinia Music 2020 | Eritrean song 2021 Facebook : https://goo.gl/Xf2BNl Instagram -https://goo.gl/2Ek4Jb Twitter @ https://goo.gl/p46zo Snapchat @ Ella_records #elatv #eritreanmusic #ethiopianmusic #tigriniamusic

Category

Show more

Comments - 1250